
Advertise on podcast: SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ
Rating
4.6from
This podcast has
952 episodes
Language
EnglishPublisher
SBSExplicit
No
Date created
2013/07/04
Latest episode
2026/02/03
Average duration
18 min.
Release period
1 days
Description
Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
Unlock SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast Email contact info,
Listeners & Audience details
Email contact information
Direct podcast contact details

Listeners
Audience numbers & engagement insights

Audience details
Podcast Insights

Social media
Check SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ social media presence
Podcast episodes
Check latest episodes from SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast
ሕማም ልቢ እንታይ እዩ፧ ኣገባብ ኣፈዋውሳኡ'ኸ፧
2026/02/03
ካብ ጠንቅታት ሞት ኣብ ቀዳማይ ተርታ ዝስራዕ'ዩ። ሕማም ልቢ ብገምጋም ኣብ ነፍሲወከፍ 12 ደቒቕ ብሰንኪ ምስ ሕማም ልቢ ዝተሓሓዝ ሕማም ይመውት፡ ብድኻም ልቢ ድማ ኣብ ሰዓት ሓደ ኣውስትራሊታዊ ይመውት።እዚ ሕማም ከምዘለኩምን ክትፈልጡን ሕማም ልቢ እንተለኩምን እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩምን እዚ ዝስዕብ ትሕዝቶ ክነግረኩም እዩ።
ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 ለካቲት 2026)
2026/02/02
** ሎሚ ዝእከብ ቦርድ ማእከላይ ባንክ ኣውስትራሊያ መጠን ወለድ ክብ ከብሎ ትጽቢት ይግበር። ** በቲ ኣብ እዋን ትልሂታት ወይ ፓርቲ ዝውሰድ ቀታሊ ሓሽሽ መጠን ሞት ኣብ ኣውስትራሊያ ብዓሰርተ ዕጽፊ ምውሳኹ ተፈሊጡ።... ** ኣቛሪጹ ዝጸንሐ ካብን ናብን ትግራይ ዝግበር ውሽጣዊ በረራታት ነፈርቲ ዳግም ክጅምር ምዃኑ ተገሊጹ፡ ናብ ካርቱም ዝግበር በረራ ድማ ጀሚሩ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ለካቲ 2026)
2026/02/02
ኣርእስታት ዜና፥ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ናይ ፕሮስቴት ካንሰር ዘለዎም ኣውስትራሊያዊያን ብመንግስቲ ድጎማ ዝግበረሉ ማዕከን ፋርማሲ [PBS] ብዝሓሰረ ዋጋ መድሃኒት ክረኽቡ ምዃኖም ኣፍሊጡ ። ፕረዚደንት እስራኤል ይስሃቕ ሄርዞግ ናብ ኣውስትራልያ ዝገበሮ ምብጻሕ መንግስቲ ክስርዞ ዝጠልቡ ደገፍቲ ፍልስጤማውያን ተጣበቕቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም ። ካርሎስ ኣልካራዝ ዝነኣሰ ሻምፕዮን ኣውስትራሊያ ኦፐን ብምዃን ታሪኽ ሰሪሑ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ናብ ጐንፂ ናይ ምምላስ ዝንባለታት ከምዘሻቕሎ ገሊፁ። ጸብጻብ
2026/02/01
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ናብ ጐንፂ ናይ ምምላስ ዝንባለታት ከምዘሻቕሎ ገሊፁ። ኣቦ መንበር ኮምሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ፡ ውን ተመሳሳሊ መግለጺ ሂቡ ኣሎ። ማሕበር ሓካይም ኤርትራ መበል 27 ዓመታዊ ጉባኤኡ ኣብ ኣስመራ ኣካይዱ። ሃገራዊ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት የመን ንሓይሊ ባሕሪ ኤርትራ ብትሪ ከም ዝዀነነ ተገሊጹ። መራሕቲ ጁቡትን ሶማልያን ኣብ ኢትዮጵያ ዑደት ኣካይዶም።
A hidden childhood cancer is increasing: what do these children need? - ሕቡእ ካንሰር ቆልዑ እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ፣ እዞም ህጻናት እንታይ'ዩ ዘድልዮም፧
2026/02/01
The Leukemia Foundation is warning more than 400 children a year could face a blood cancer diagnosis within the next decade. The foundation is attempting to raise $12 million through its annual World's Greatest Shave campaign, with funds contributing to research and support services to families impacted by blood cancer. - ትካል 'ሊዩከሚያ ፋውንዴሽን' ልዕሊ 400 ህጻናት ኣብ ዓመት ኣብ ውሽጢ'ዚ ዝመጽእ ዘሎ ዕቑድ ሕማም መንሽሮ ወይ ካንሰር ደም ከጋጥሞም ከምዝኽእል የጠንቅቕ። እቲ ትካል ብመንገዲ'ቲ ዓመታዊ ዘካይዶ ጎስጓስ ምልጻይ ጸጒሪ (greatest shave campaign) ኣቢሉ $12 ሚልዮን ዶላር ክእክብ ይፍትን ኣሎ፡ እቲ ዝእከብ ሓገዝ ድማ ናብ ምርምራትን ብካንሰር ደም ዝተጸልዉ ስድራቤታት ኣገልግሎት ድጋፍ ዝረኽብሉን ኣበርክቶ ክገብር'ዩ።
ትራምፕ፣ ኣውስትራልያን ዓለምን: ኣብ ግዜ ትራምፕ ኣሜሪካ ሉኣላውነትን ቻርተር ው. ሕ. ሃ.ን እንታይ'ዩ ትርጉሞም፧ ሞንሮ ዶክርቲን፧ - ዕላል ምስ ዶር ኣማኑኤ
2026/02/01
ኣብ ኣሜሪካ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዝወስዶም ዘሎ ስጉምቲታትን ዝኽተሎም ዘሎ ፖሊሲታትን ንኣውስትራልያ ወሲኽካ ምስ ፈተውትን ጸላእትን ዘሰሓሕቡ ኮይኖም ኣለዉ። ንፕረዚደንት ቨነዝወላ ኒኮላስ ማዱሮን በዓልቲ ቤቱን ወሪሩ ዝጨወየ ስርሒት፣ ምፍርራሓት ወራር ኣብ ልዕሊ ሜክሲኮ፣ ካናዳ፣ ግሪንላንድ፣ ኮሎምቢያ፣ ኢራንን ካልኦት ሃገራትን ናይ ቀረባ ኣብነታት'ዮም። ነዚኦም ምዕባለታት ምስ ግብረመልስታት ዓለምን ዝጸንሐ ኣካይዳ ፖሊሲታት ወጻኢ ኣሜሪካን ብምንጽጻር ምስ ዶክተር ኣማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲክን ዩኒቨርሲቲ ክንድህስሶም ፈቲንና'ለና። * ስጉምቲታት ኣሜሪካን ሉኣላውነት ሃገራትን፣ * ቻርተር ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ * ሕሉፋት ታሪኻት ኣሜሪካ ኣብ ላቲን ኣሜሪካን ካልኦት ኣህጉራትን፣ ፍሉይነት ፖሊሲታትን ስጉምቲታትን ፕረዚደንት ትራምፕ፣ * ኣገባብ ዲፕሎማስያዊ ኣካይዳ ትራምፕ - ብዙሓት ብጸርፊ ጀሚሩ፣ ናብ ምፍርራሕ ከይዱ ናይ ስጉምቲ ይኣቱ ዝብልዎ ከመይ'ዩ፧ * ቀዲሙ ስጉምቲ ወሲዱ ድሕሪኡ ንምንታይ ምኽንያት የቕርብ፣ ቀይዲ በተኽ ኣካይዳ ምምሕዳር ትራምፕ ክሳብ መዓስን ክንደይን፧ * ትርጉምን ኣመጻጽኣን ፕረዚደንት ትራምፕ ዝጥቀመሉ ዘሎ 'ሞንሮ ዶክትሪን'ን ምላሽ ኣውስትራልያን፣ * ኣውስትራልያ ኣብ ርሑቕ ምብራቕ ትነብር ክንሳ ምዕራባዊት ሃገር ድያ ትቑጸር፧ ንሕቶታት ኣብ ልዕሊ ሞራላዊ ልዑልነት ኣሜሪካ ብኸመይ ትምልሰሉ’ላ፧ ምኽንያታት ትራምፕ ነቶም ዝወስዶም ስጉምቲታት መወዳእታ ኣለዎም ድዩ፧ ዝብሉን ካልኦትን።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ጥሪ 2026)
2026/01/29
ን ሎሚ 29 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ነባሪ ኲንስላንድ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ ካብ 2002 ን ኣውስትራሊያ ከም ሃገሩ ሓሲቡ ንልዕሊ ክልተ ዕቑድ ዓመታት ዝነብር ዘሎ እዩ። በዓል ሞያ ሕክምና ኮይኑ ምስ World Wellness Groupe ኮይኑ ኣብ መስተን ሓሽሽን ንዝ ኣተዉ ኣብ ምሕጋዝን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ዝርከብ ዘሎ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ዝህቦ ረብሓታትን ብድሆን፡ መስተን ጎዳኢ እጽ ጠንቂን ዘስዕቦ ጎዳኢ ነገራትን ኣዕሊሉ ኣሎ። ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ። ነዚ ዝጥምት ትሕቶውን ከነቕርብ ኢና። ኣብ ሰሙናዊ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ህዝብዊ መጓዓዝያ ኣውስትራሊያ፡ ክንርእይ ኢና። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሓቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ዓመታዊ ዝቕባበ ምውሳኹ ፡ ቊጠባ ሃገር ንምርግጋእ ዝያዳ ዕዮ ከም ዘድሊ ዘዘኻኽር እዩ ክብል ትረዠረር ጂም ቻልመስ ገሊጹ ። ኢራን ምስ ኣመሪካ ንዘተ ፍጹም ድልውቲ ምዃና’ኳ እንተገለጸት፡ ዝዀነ መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ግን ብርቱዕ ምላሽ ከም እትህብ ኣጠንቂቓ። ኣብ ግጥማት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ኣውስትራሊያዊ ኣብ ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ጃኒክ ሲነር ን ኣመሪካዊ በን ሸልተን ሲዒሩ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፉ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (ኤስ ቢ ኤስ ትግሪኛ 29 ጥሪ 2026)
2026/01/29
ኣርእስታት ዜና፥ ዓመታዊ ዝቕባበ ምውሳኹ ፡ ቊጠባ ሃገር ንምርግጋእ ዝያዳ ዕዮ ከም ዘድሊ ዘዘኻኽር እዩ ክብል ትረዠረር ጂም ቻልመስ ገሊጹ ። ኢራን ምስ ኣመሪካ ንዘተ ፍጹም ድልውቲ ምዃና’ኳ እንተገለጸት፡ ዝዀነ መጥቃዕቲ እንተተፈጺሙ ግን ብርቱዕ ምላሽ ከም እትህብ ኣጠንቂቓ። ኣብ ግጥማት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ኣውስትራሊያዊ ኣብ ዉድድራት ቴኒስ ኣውስትራሊያ ኦፐን ጃኒክ ሲነር ን ኣመሪካዊ በን ሸልተን ሲዒሩ ናብ ፍርቂ ፍጻመ ሓሊፉ።
ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ።
2026/01/28
ተመራመርቲ ስነ ፍልጠት ኣቶማዊ መጽናዕቲ ፡ "ሰዓት መዓልቲ ምጽኣት" መሊኦማ ፣ እዚ ኣቆጻጽራ'ዚ ነቲ ናብ ቅድሚ ፍርቂ ለይቲ ዝቐርብ ፡ ዓለምለኻዊ ዕንወት ዝዕቅን እዩ ። እቲ መቐቀኒ ንናህሪ ኑክሌሳዊ ሓይልታት ፡ ሩስያ ፡ ቻይናን ኣመሪካን ፡ ንኑክልየሳዊ ኣጽዋር ዘይምቍጽጻር ፡ ኣብ ዩክረይንን ኣብ ማእከላይ ምብራቕን አሎ ግጭታት ፡ ዛዕባ ኤ--ኣይ ዘሎ ጭንቀት ኣብ ግምት ኣትዮም እዮም እታ ናይ ምቕራብ ምጽ ኣት ሰዓት ኣቀላጢፎማ ዘለዉ። ቡለቲን ኦቭ ዘ ኣቶሚክ ሳይንቲስትስ ፡ ነታ ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢታት ጎደል ገይርዋ ኣሎ ። እዚ ካብቲ ዓሚ እተመደበሉ ብኣርባዕተ ካልኢት ሎሚ ቀሪቡ ኣሎ ።
ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ። ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026)
2026/01/28
** ኣብ ኣውስትራሊያ ዝጸንሐ ክብረ ወሰን መጠን ሙቐት ተሰይሩ። ** ምጽኣት ዓለም ዝቖጽር ሰዓት ንፍርቂ ለይቲ 85 ካልኢት ጎደል ኮይኑ። ** ሎሚ ክግበር ተሃሲቡ ዝነበረ ፍሉጥ ዉድድር ብሽግለታ ብሰንኪ ብርቱዕ ሙቐት ተሰሪዙ።
Public transport in Australia: breaking down the basics - ዝርዝር ሓበሬታ ብዛዕባ ህዝብዊ መጓዓዝያ ኣውስትራሊያ፡
2026/01/27
Like in most countries, public transport in Australia is the cheapest way to get around. It includes trams, buses, trains and ferry services. And each state or territory has its own transport network. However, navigating Australia’s public transport system with ease requires knowing the basics around how it works and what to expect. - ልክዕ ከም ኣብ መብዛሕትኡ ሃገራት ፡ ኣብ ኣውስትራሊያ ህዝባዊ መጓዓዓዚያ በቲ ዝሓሰረ መንገዲ ኣገልግሎት ጉዕዞ ዝግበረሉ ። እቲ ኣገልግሎት ናይ ትራም ፣ ናይ ኣውቶቡሳት ፣ ባቡራትን ናይ ጀላቡ ወይ ፈሪ ኣገልግሎታትን የጠቓልል ። ከምኡ 'ውን ነፍሲ ወከፍ መምሕድዳር ግዝኣት ወይ ተሪቶርይ ናይ ባዕሉ ናይ መጓዓዝያ መርበብ ኣለዎ ። ይኹን "ምበር ንናይ ኣውስትራሊያ ህዝባዊ መጎዓዚያ ብቕልል ዝበለ መንገዲ ምድህሳስ ኣብ ከመይ ከምዝሰርሕን እንታይ ከምዝጽበይን መሰረታዊ ነገራት ምፍላጥ የድሊ ።
ክብረ ወሰን ዝሰብር ሓያል ሙቐት ንኣውስትራሊያ የንድዳ፡ ሎሚ መልበርን 44 ዲግሪ ሰ. ብዝበጽሕ ሙቐት ክትልብለብ'ያ (ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ 27 ጥሪ 2
2026/01/26
ክብረ መዝገብ ዝሰብር ሓያል ሙቐት ን ኣውስትራሊያ የንድዳ፡ ሎሚ መልበርን 44 ዲግሪ ሰንቲግሬድ ብዝበጽሕ ሙቐት ክትልብለብ'ያ። እስራኤል ንሬሳ ናይቲ ኣብ ጋዛ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ጅሆ ተታሒዙ ዝነበረ ረኺባቶ፡ ኣብ ሚኒሶታ ብወተሃደራት ፈደራል ኣመሪካ ዝተፈጸመ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት መራሕቲ ደሞክራት ነቲ ኣብ ልዕሊ ደተኛታት ዝግበር ግፋ ስለዝቃወሙ ዘለዉ እዮም ክብል ምምሕዳር ትራምፕ ጠቂኑ።
ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026)
2026/01/26
ን ሎሚ 26 ጥሪ 2026 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ወቕትታት ሓጋይ ኣውስትራልያ ተመራመርቲ 'ምሉእ መስርሕ ምቕያር' ወይ 'ቶታል ትራንስፎርሜሽን' ኢሎም ዝጽውዕዎ ይሓልፉ'ለዉ፣ ካብ ትካል ዎርልድ ዌዘር ኣትሪብዩሽን ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ እዛ ሃገርና ድሕሪ ደጊም ብማእከላይ ገምጋም ድሕሪ ነብሲ ወከፍ ሓሙሽተ ዓመታት ማዕበላት ሙቐት ክትጽበ ኣለዋ ክፍል ደምዲሙ። ተመራመርቲ'ዚ መጽናዕቲ ይብሉ ለውጢ ክሊማ ነቲ ኣብ ፈለማ ወርሒ ጥሪ ዝነበረ ዝልብልብ ማዕበል ሙቐት ኣውስትራልያ ክኽሰት ዘነበሮ ተኽእሎ ብሓሙሽተ ዕጽፊ ዝያዳ ርጉጽ ክኸውን ገይርዎ፣ ናብ'ዞም ዝተለወጡ ኩነታት ድማ እዛ ሃገር ብህጹጽ ምቅይያራት ክትገብር የድልያ'ሎ። ብምኽንያት መዓልቲ ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር፡ ብዛዕባ ኣልኮልን ድራግን ኪኢላ ዝኾነ ኣቶ ኣል ኣዛር ዝገበርናዮ ዕላልልን ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ዩኒቨርስቲ መቐለ ከምህሮም ዝጸንሐ ቻይናውያን ዝርከቡዎም ተምሃሮ ኣመሪቑ። ሓዳሽ ሚንስተር ትምህርቲ ኤርትራ ወግዓዊት ኮይና። ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊስካ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዑደት ከካይድ ዩ። ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኤርትራ ንደገፍቲ ሰልፊ ብልጽግና ኢትዮጵያ ከሲሱ። ጥምረት ተቓወምቲ ውድባት ኢትዮጵያ ዘይንጹር ንዝበሎ ዲጂታላዊ ስርዓት ምርጫ ነጺጉ። ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር መዓልቲ ኣውስትራልያ ኣብዝጽምበለሉ ዘሎ ፡ ነቶም ሓደስቲ ዜጋታት እታ ሃገር ብሓጐስ ተቐቢልዎም። ኣብ ኣመሪካዊት ከተማ ሚንያፖሊስ ፡ ወከልቲ ፈደራላዊ ኢሚግሬሽን ካልኣይ ሰላማዊ ሰብ ድሕሪ ምቕታሎም ፡ እቲ ወጥሪ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ። ኣሌክስ ደ ሚናር ነቲ 10ይ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክሳንደር Bublik ኣብ ዝተገብረ ራብዓይ ዙር ዉድድር ብምስዓሩ ነቲ ናይ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ክገጥም እዩ ።
ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 ጥሪ 2026)
2026/01/26
ኣርእስታት ዜና፥ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልባነስ ፡ ኣብ መላእ ሃገር መዓልቲ ኣውስትራልያ ኣብዝጽምበለሉ ዘሎ ፡ ነቶም ሎሚ ሓደስቲ ዜጋታት እታ ሃገር ኮይኖም ዜግነት ዝወሰድ ብሓጐስ ተቐቢልዎም። ኣብ ኣመሪካዊት ከተማ ሚንያፖሊስ ፡ ወከልቲ ፈደራላዊ ኢሚግሬሽን ካልኣይ ሰላማዊ ሰብ ድሕሪ ምቕታሎም ፡ እቲ ወጥሪ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ ። ኣሌክስ ደ ሚናር ነቲ 10ይ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክሳንደር Bublik ኣብ ዝተገብረ ራብዓይ ዙር ዉድድር ብምስዓሩ ነቲ ናይ ዓለም ቁጽሪ ሓደ ካርሎስ ኣልካርታዝ ኣብ ናይ ርብዒ ፍጻሜ ክገጥም እዩ ።
ዘይዝረበሉ ዘሎ ከቢድ ሳዕቤን መስተ፡ ኣውስትራሊያዊ ምዃን ብድሆን ዕድላትን ፡ ዝርርብ ምስ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ
2026/01/26
ነባሪ ኲንስላንድ ዝኾነ ኣቶ ኣልኣዛር ተስፋይ ካብ 2002 ን ኣውስትራሊያ ከም ሃገሩ ሓሲቡ ንልዕሊ ክልተ ዕቑድ ዓመታት ዝነብር ዘሎ እዩ። በዓል ሞያ ሕክምና ኮይኑ ምስ World Wellness Groupe ኮይኑ ኣብ መስተን ሓሽሽን ንዝ ኣተዉ ኣብ ምሕጋዝን ኣፍልጦ ኣብ ምዕባይን ዝርከብ ዘሎ እዩ። ኣብ ኣውስትራሊያ ምንባር ዝህቦ ረብሓታትን ብድሆን፡ መስተን ጎዳኢ እጽ ጠንቂን ዘስዕቦ ጎዳኢ ነገራትን ኣዕሊሉ ኣሎ።
Podcast reviews
Read SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ podcast reviews
Merihino 2013/08/29
Thank you
Keep up the good work, hearing news in my mother tongue is very refreshing!
Podcast sponsorship advertising
Start advertising on SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ relevant audience podcasts
You may also like to advertise on these Podcasts

418217
The Michael Anthony Show
Michael Anthony

4.521285
WCCO Tech Talk
Audacy

4.514606
Go Green Radio
Jill Buck

513161
The Frug Life
Ricky Hirschi

510444
Revolutionary Ireland
Lorcan Collins Revolutionary Ireland

4.721357
Gender Spiral with Ally Beardsley and Babette Thomas
Ally Beardsley & Babette Thomas

4.514350
When It Goes Wrong
Jasmin Charlotte

4.988198
Bottled in China: A Wine & Food Podcast
Emilie Steckenborn

521000
BIG C SPORTS
BIG C SPORTS🎯

42397
ACHILLES RUNNING Podcast
Achilles Running
